Article (ኣሕተምቲ ሕድሪ)

ቃንዛይ ኣብ መጽሓፍ ግፍዒ


ዊንታ ታደሰ

   ን30 ዓመታት ዝቐጸለ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህዝብን ተጋዳላይን ብማዕረ ዘሳተፈ‘ዩ ነይሩ። ተጋደልቲ ኣብ ሜዳ፡ ህዝቢ ከኣ ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ብምዃን፡ ተልእኾታት ሰውራ ኣብ ምፍጻምን ስርሒት ኣብ ምክያድን ዓቢ ግደ ተጻዊቱ። ድምር ናይዚ ኣስተዋጽኦታት ከኣ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ኣበሲሩ። ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ደም ጀጋኑን ሰለማዊ ህዝብን ዝሓተተ’ዩ ነይሩ።


   መጽሓፍ “ግፍዒ” ሻሙናይ ቅጺ ናይቲ ብኣሕተምቲ ሕድሪ ዝሕተም ዘሎ “ ዛንታታት ተመኲሮ ገድሊ” ኰይና፡ ካብ’ተን ካልኦት መጻሓፍቲ ፍልይ ብዝበለ፡ ካብ ወተሃደራዊ መኸተ ውጽእ ኢላ፡ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ህዝቢ ዘካየዶ ኣረሜናዊ ግፍዒን ህዝቢ ኤርትራ እተዘንቱ መጽሓፍ እያ።

   43 ዛንታት ዝሓዘት መጽሓፍ ግፍዒ፡ ትሕዝቶ ዛንታታታ፡ ነቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዶ ግፍዒ ፡ ጭኰና ፡ ራስያን ምክልባትን ብከፊል እትትርኽ መጽሓፍ ኢያ።

ነዛ መጽሓፍ ልክዕ ከም ካልኦት ዘንበብኩወን መጻሓፍቲ ተዛንየ’የ ጀሚረያ። ገጻት እናወሰኽኩ ኣብ ዝኸድክሉ ግን ምንባብ እናኸበደኒ ከይዱ። ሓንቲ ዛንታ ይጅምር’ሞ ንዓኣ ከይወዳእኩ ናብ ካልእ ዛንታ እሰግር። እቲ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዛንታ ዝረኸብኩዎ ዘስካሕክሕ ዛንታ ግፍዒ ጸላኢ፡ ዓቕሊ ገይረ ምሉእ ዛንታ ከንብብ ኣየኽኣለንን። ‘እዚኣ’ዶ ትሓይሽ ትኸውን’ እናበልኩ፡ ካብ ሓንቲ ዛንታ ናብ ካልእ ክሰግር ጀመርኩ። ንሓንሳብ’ውን ነዛ መጽሓፍ ዘይምንባባ ይሓይሽ ኢለ ዝገደፍኩሉ እዋን ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግን ከምብባ ስለ ዘለኒን፡ ንስለ ምንባብ ጥራይ ዘይኰነ’ውን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ታሪኽ ግፍዒ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም መንእሰይ ክፈልጦ ዝግብኣኒ ከም ምዃኑን ተጸሚመ ክውድኣ ወሰንኩ። ውሽጠይ ብሓዘን እናተመልአ፡ ብኽንደይ ጻዕሪ ወዴአያ።

  ናይ ብሓቂ ዘስደምም ዛንታ እዩ። ይትረፍ ብኣካል ተሳቲፍካ ነቲ ዝተጻሕፈ ከተንብብ’ውን ዓቕልን ተጻዋርነትን ዝሓትት ዛንታ! “ኤርትራውያን” ብምዃኖም ጥራይ፡ ስድራቤት ወንበዴታት ኢኹም እናተባህሉ ክጋፍዑን ክቕተሉን፡ ቆልዓ ሰበይቲ ብዘሰቅቕ ኣገባብ ክቕተሉን ክሕረዱን፡ ስድራቤታት ብዘይ ሓድጊ ክጸንታ፡ ዓድታት ክቃጸላ፡ ክትርኢ፡ ህዝቢ ኤርትራ ማዕረ ክንደይ ምረት ከም ዘሕለፈ ክትርዳእ ትኽእል። "ናይ ሞት ይጽናሕ ፡ናይ ሕልፈት ይበኸ” ከም ዝበሃል ድማ፡ ሰራዊት ደርግ ድሕሪ’ቲ ዝፈጸሞ ዘሰቕቕ ግፍዒ፡ ኣብ ቦታ ፍጻመ ስለ ዝጸንሕ ሬሳታት ግዳያት ንቡር ከይረኸበ፡ ከይተቐብረ፡ መሽሚሹን መግቢ እንስሳታት ከም ዝኸውን ምግባሩን እዩ።

  ሰራዊት ኤትዮጵያ እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ምንቕስቓስን ስርሒታት ሰውራን ጽልዋኡ ኣብ ዓድታት ከበሳን ከተማታትን ከቢድ ስግኣት ስለዝፈጠረሉ’ዩ ካብ 1967 ኣትሒዙ ናብ ሰላማዊ ህዝቢ ዝቐንዐ ሰፊሕ ናይ ራዕዲ ተግባራትን ጃምላዊ ህልቒትን ክፍጽም ዝተራእየ። ተጋደልቲ የዕቊባ’የን ንዝተባህላ ዓድታት እናከላበትካን ንብረት እናራሰኻን ዝተረፈ ህዝቢ ከም ዝስደድ ወይ ኣብ ጥቓኡ ናብ ዝርከባ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ኤትዮጵያ ዝነበራ ዓድታትን ከተማታትን ከም ዝኣቱ ብምግባር ንተጋደልቲ ባይታ ምኽላእ ነበረ። ህዝቢ ኤርትራ ግን በዚ ከተዘንትዎ’ውን ዘስደምም ግፍዕታት ኣይረዓደን። መመሊሱ’ኳ ደኣ ኣብ ጐድኒ ሰውራኡ ብምስላፉ ምትሕብባሩ ካብ ጊዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ከደ።

ኣብዛ መጽሓፍ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ንሓድነት ኤርትራውያን ክፈታትን ኣስላማይ ካብ ክስታናይ እናፈለየ ከበሳብስን ክቐትልን ተንብብ። ኣብ ዛንታ፥”ኣኽዓየ፡ ሎሚ ንዓኻ ጽባሕ ንዓየ” ገዛእቲ ኢትዮጵያ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክበታትን ናብ ጸሮና ብምኻድ ንኣመሓዳሪ ጸሮና ፊተውራሪ መሓሪ፡ “ኣመንቲ ምስልምና ፈሊኻ ሃበና” ድሕሪ ምባሎም ዝመለሰሎም ከምዚ ይብል፡

   “በሉ! ኣስላማይ ካብ ክስታናይ ፈልየ ዝህበኩም ምኽንያት የብለይን፡ ጠሚኹምን ደኺምኹምን ስለ ዘለኹም ግን ዝደለኹሞ ቁጽሪ ኣባጊዕ ክቕርበልኩም”

ብድሕሪ’ዚ ፊተውራሪ መሓሪ ናይ ድራር እንግዶት ገይሩ ንኣመንቲ ምስልምና ተቐማጦ ጸሮና ካብ ቅዝፈት ኣድሓኖም።

   “ዘይሃሰሰ ደም” ኣብ ዝባን ስንቀይ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ብላታ ክፍለጽዮን ዝተፈጸመ ቅትለት’ያ እተዘንቱ። እቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ስድራ-ቤት ኣቶ ብላታ ስነ-ኣእምራውን ማሕበራውን ሃስያ ገዲፉ’ዩ። በዓልቲ ቤቶም ብሰንኪ ቅትለት በዓል ቤተን ኣእምሮአን ክስሕታ እንከለዋ ደቀን’ውን ነባዪ ስኢኖም ናብ ኣዝማዶም ፋሕ ፋሕ በሉ።

   “እቲ ሽዑ ነቦይ ዝቐተለ ተኲሲ ክሳብ ሎሚ ኣብ እዝነይ ኣሎ። እቲ ወተሃደር ኣፈሙዝ ብረቱ ኣቅኒዑ ቃታ ቅድሚ ምስሓቡ ኣብ ገጽ ኣቦይ ዝነበረ ፍሽኽታ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓይነይ ይረኣየኒ። ምስ ወደቀ ዘስመዖ ሓጺር እህህታ’ውን ክሳብ ሎሚ ኣብ እዝነይ ከድሂ ይስመዓኒ። ዝትስእ እምበር ብኡ ኣቢሉ ንዘልኣለም ዝኸይድ እይመሰለንን። ደሙ ኣብዛ ማቶኔላ’ዚኣ ኤዩ ዓቚሩ፡ ክሳብ ሎሚ ሃሳስ ምልክቱ ኣይጠፍአን። ነዛ ማቶኔላ ወትሩ እንክጥምታ ነታ ግናይ ዕለት’ያ ተዘኻኽረኒ።”
ተጋዳላይ ላይነ ብላታ


  ከም ዛንታ ብዕላል ይዂን ብታሪኽ ወኪ-ድባ ከም ካልኦት ብዙሓት ዓድታት ኤርትራ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ዝተቃጸለት ዘይፈልጥ ስለ ዘየለ ንዓይ'ውን ሓድሽ ስማዕ ኣይነበረን፡፡ ዛንታ “ወኪ- ድባ ውጻእ መዓት” ምስ ኣንበብኩ ግን እቲ ፍጻመ ካብቲ ዝሓስቦ ንላዕሊ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ህልቂት ከም ዝነበረ ተረዲአ። ግዳያት የዕቊበና’ዩ ናብ ዝበሉዎ ቤት መቅደስ ኣትዮም ከብቅዑ፡ ሰራዊት ደርግ ግን ቆልዓ ሰበይቲ ካብ ቤት መቅደስ አናውጸአ (ብፍሉይ ንመንእሰያት ዝቐንዐ) ክቐትልን ከበሳብስን ከተንብብ “ጥዑይ ኣኣምሮ ዘለዎ ሰብ ማዕረ ክንድዚ ክጭክን ይኽእል?” ትብል፡፡

“ገጀረት ጸላም ቀዳም” ዘርእስታ ዛንታ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኣስመራ ኣብ ውሽጢ ክልተ ስድራቤታት ዝተፈጸመ ግፍዒ'ያ እተዘንቱ። ኣብዛ ዛንታ ጦር ሰራዊት ንሓንቲ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ኣብ መዓንጣኣ ብሳንጃ ክወግእዋ ተንብብ።

  “እታ ተወጊኣ ተእዊ ዝነበረት ገነት ሓፍቱ ናብ ደገ ዝወጸ መዓንጥኣ ሒዛ ብጸያፍ ልሳን፡ ‘ተፋይ ተፋይ ንዓ ሕቆፈኒ’ ተስፋይ እንታይ ክገብረላ ከም ዝኽእል ጋን ኮኖ።“ እትብል ሕጥበ ጽሑፍ ምስ ኣንበብኩ፡ እታ ህጻን ምስ ጸያፍ ልሳና ኣብ ኣእሙረይ ስለ ዝተሳእለት ክቕጽል ኣይከኣልኩን።

  መጽሓፍ ግፍዒ ዋላ’ኳ ከተንብባ ኣቐንዛዊት እንተ ዀነት፡ ነፍስ ወከፍ ህዝቢ ኤርትራ ከንብባ ዝግባእ መጽሓፍ እያ። ብዘይካ ኤርትራውያን ደቂ ካልእ ሃገር’ውን፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ጸባባን ግፍዕን ከም ዘሕለፈ ንኽፈልጡ ብኻልእ ቋንቋ ተተርጕማ ክትቐርብ ኣገዳሲ ኰይኑ ይስምዓኒ።